translation jobs  localization jobs  translation job
Home Other translation jobs Post your job - free! Become a member at just $12 per month paid per year!
Advertisements

Job 3072: Tigrinya to English translation job


Join as a member to apply for an unlimited number of jobs posted at TranslationDirectory.com and to obtain many other benefits - click here!


Tigrinya to English translation job: Job 00003072

Source language: Tigrinya
Target language: English

እቲ ጻድቕ ደሙ መምለጢ ኮይኑኒ

“... ብጎይታና የሱስ እመን እሞ ንስኻን ቤትካን ክትድሕኑ ኢኹም: በልዎ” (ግብ 16: 31)። ኣቐዲመ ንጎይታ ፈሊጠዮ እኳ እንተነበርኩ: ጸኒዐ ንኸይስዕቦ ግን ዝተፈላለዩ ዕንቅፋታት የጓንፉኒ ኔሮም። ይኹን እምበር ካብ 2007 ንጎይታ ጸኒዐ ክስዕቦ ወሲነ። ጎይታ ከኣ ረዲኡኒ። በላይነሽ እትብሃል ወንገላዊት ኣብ ሻሎም ቤተ ክርስትያን ኣብ ዘገልገለትሉ ግዜ ከምዚ ዝስዕብ ጸልያትለይ: “ካብ ጎይታ ዋላ ሓደ ዝፈልየኪ የለን: ኣምላኽ ድማ ዓባይ ኪገብረኪ እዩ”። ካብኡ ንድሓር ከኣ ህይወተይ ክቅየር ጀሚሩ። ቀደም ምስ መሓዙተይ ኮይነ ናብ ቤት ትልሂት ምኻድ ዝፈቱ ዝነበርኩ: መሓዙተይ ክሳብ ዝግረማ ሓንሳብን ንሓዋሩ ኣቛሪጸዮ።

ኣብ ጎይታ ኪጠብቅ ምስ ጀመርኩ ግን ሰይጣን ብሕሉፍ እንዳ ገበረ ክኸሰኒ ጀሚሩ። ኣብ 2008 ሓራስ ከለኹ: በቲ ሕሉፍ ጌሩ ጭንቀት እንዳ ገበረ የሳቅየኒ ኔሩ። እቲ ጭንቀት ባዕሉ ይገድፈኒ ይኸውን እናበልኩ ይጽበ ኔረ። ካልአይቲ ጓለይ ወሊደ ንጎይታ ኣሕሊፈ ምስ ሃብክዋ ኣዝዩ ገዲዱኒ። ሰይጣን ቀጻሊ ንስኺን ደቅኽን ክትሞታ ኢኺን እናበለ የፈራርሓኒ ኔሩ። ከጉረምርም ጀሚረ: ለይትን መዓልትን ብክያት ጥራይ ኮይኑ ስርሐይ። እምበር´ዶ ኣምላኽ ምሳይ ኣሎ እዩ ኢለ ኪዛረብ ምስ ጀመርኩ: ክልተ ኣሕዋት ካብ ኦስሎ ደዊለን ኪንበጽሓኪ ደሊና ገዛ’ዶ ኣለኺ ኢለን ሓቲተናኒ። ምስቲ ዝነበረኒ ኩነታት ንመጀመርያ ግዜ ገዛኪ ኪንመጸኪ ስለ ዝበላኒን: ልክዕ ኣምላኽ ባዕለይ ይመጸኪ ኣለኹ ዘበለኒ ኮይኑ ተሰሚዑኒ። ሽዑ ጸልየናለይን ኣተባቢዐናኒን ከይደን።

ኣቐዲሙ ኣምላኽ ካብ ፈተነ ከም ዘውጸኣኒ ብሕልሚ ተዛሪቡኒ ኔሩ: ኣነ ግን ኣብቲ ዝነበረኒ ሃዋሁ ፍርሂ ጥራይ ውሒጡኒ የስተውዕሎ ኣይነበርኩን። ድሕሪ´ዚ ናብ ኮንግስበርግ ዝብሃል ካብ ኦስሎ ውጽእ ኢሉ ዝርከብ ከተማ ዝነብሩ ስድራቤት ኣሕዋት ምስ ደቐይ ኬድና። ሓቢርና እናጸለና ኣምላኽ ብአኦም ጌሩ ኣብ ውሽጠይ ጸጋ ከም ዘቐመጠ ተዛሪቡኒ። ኣምላኽ ከምዚ ኢሉ ብምዝራቡ ተደኒቐ። ኣብዚ ኩሉ ፈተና ድማ ሰይጣን ኣምላኽኪ ድኣ ኣበይ ኣሎ ይብለኒ ከም ዘነበረ ክርዳእ ጀሚረ።

ካብ ኮንስበርግ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ንገዛይ ተመሊሰ። ኣብ ገዛይ ኩሉ ጸልማት ጥራይ ኮይኑ ይረኣየኒ ኔሩ። ጎይታ ይባርኮም እዞም ኣሕዋት ካብ ኮንስበርግ ናብ ገዛይ መጽዮም እንደገና ጸልየሙለይ: “... ጸሎት ጻድቅ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ”(ያዕ 5: 16) እሞ
ካብኡ ቁሩብ ክሕሸኒ ጀሚሩ።

ኣብ ላዕሊ ከም ዝተገልጸ: መጀመርታ ንጎይታ ክስዕብ ምስ ጀመርኩ ኣምላኽ ዝተዛረበኒ እና ዘከርኩ ምስዚ ኩሉ ጭንቀት ብተስፋ ጥራይ ንቤተ ክርስትያን ይማላለስ ኔረ። ፓስተር ሕነሽም ኣብ ሻሎም በተክርስትያን ኦስሎ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ብቓል ኣብ ዘገልገለሉ: እቲ ዘመሃሮ ትምህርቲ ቀጥታ ምስ ህይወተይን ምስቲ ኣብቲ ግዜ ዝነበረክዎ ኩነታትን ዝተሓሓዝ ኔሩ። ኣብታ መጀመርታ መዓልቲ ክጽለየልና ንቅድሚት ምስ ወጻና: ከምዚ ኢሉ “ብዛዕባኹም ዝፈልጦ ነገር የለን: ካብዞም ንቅድሚት ወጺኹም ዘለኹም ግን ገለ ምስክርነት ኣሎኒ” ምስ በለ ኣዝየ ተገሪመ። ኣብታ ስዓት እቲ ዘነበርክዎ ሓደ ኣምላኽ ጥረይ´ዩ ዝፈልጦ። ኣብቲ ዝነበረ ኣምልኾ’ውን ብዙሕ መልእኽቲ ፈውሲ ይሰምዕ ኔረ።

ኣብታ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ኮንፈረንስ (ሰንበት) ንክጽለየለይ ንቕድሚት ክወጽእ ድያቆናት ሓቢሮምኒ። ሽዑ ፓስተር ሕነሽም: ካብ ገለኹም ናይ ሞት መንፈስ ይለቅቅ ኣሎ ምስ በለ: እቲ ኣብ ውሽጠይ ኮይኑ ዝኽሰኒ ዝነበረ ደጊሙ ኣይተመለሰንን።

ብዛዕባ ስድራይ’ውን ብዙሕ እየ ዝሓስብ ኔረ: ኣምላኽ ግን ብዛዕቦም ሓሲበ ከም ዘይወጾ ኣቐዲሙ ተዛሪቡኒ ኔሩ። ድሓር ኣምላኽ ምስትውዓለይ ምስ ከፈተ: ንስድራይ ንዕኡ ኣሕሊፈ ክህቦም ጀሚረ። ደጊሙ ፓስተር ኣበል ኪጽልየለይ ከሎ: ሰይጣን ኣብ እዝነይ እናመጸ ዝእውጆ ዝነበረ እና ጸለየ ይነግረኒ ኔሩ። ሽዑ ድማ ብዘይፍላጥ ኣብ ቤትና ዝተደግመ ናይ ጥንቆላን ድግምቲን ካልእ ሓደ ሓደ ነገራትን ይስበር ከም ዝነበረ ሓቢሩኒ።

ብዛዕባ ጎይታ ምስ ተረደኣኒ: ብዛዕባ ስድራይ ደጋጊመ ኪጽሊ ጀሚረ። ንስድራይ ብዛዕባ ጎይታ ክምስክረሎም ግን ይፈርሕ ኔረ። ምኽንያቱ ገዛና ብሃይማኖት ብጣዕሚ ትሑዛት ስለ ዝነበሩ። ብዙሕ ነገር ብዛዕባ ስድራይ ብጸሎት ክስበር ምስ ረኣኹ ግን ክምስክረሎም ወሲነ። ጎይታ ድማ ትብዓት ሂቡኒ። ብዘይ ገለ ጸገም ድማ ኣቦይን ኣደይን ምስ ሸውዓተ ኣሕዋተይን ጎይታ ምስ ብዙሕ ብኽያት ተቐቢሎም። ኣምላኽ ኡፎይታ ጌሩለይ። “እቶም ንእግዝኣብሄር ዝጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ: ይጎዩ እሞ ኣይሕለሉን: ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን (ኢሳ 40: 31)”።

ኣልማዝ

Special requirements to the applicants: I think this is something religious, but I'm not sure.

Who can apply: Freelancers and agencies

Deadline for applying: 18/04/1986


Keep this ad at the site permanently

Mattias Trondsgard
Norway

* * * * * * * * * * * * * * * * * *
Posted on Wednesday, 15 Apr 2009, 10:49:46

Number of applications already submitted for this job: 0





If you notice a non-payer or scam here, please let translators know in our forum.


Apply for More Translation Jobs!

Receive All New Translation Jobs in All Pairs by RSS (Members Only)

Get job notifications e-mailed to you 8 hours earlier than to non-members!

Contact 6,000+ Potential Customers! (Free for Members)

Post your translation job - Free!


If you can't find the job announcement you have been notified about or you had seen before, that means the job has been closed already or that posting was unacceptable.






christianity portal
translation jobs


 

 
Copyright © 2003-2024 by TranslationDirectory.com
Legal Disclaimer
Site Map